Speak with the hearts

Learn Tigrigna

Read Amharic phrases alongside Tigrigna translations by topic.

Current topic

266) Talking about Directions - Situation 3

Click to choose another topic
Amharic

እባክህ/ሽ፣ እዚህ አከባቢ ምግብ ቤት አለ?

Tigrigna

በይዛኻ ኣብ ቀረባ ቤት ምግቢ ኣሎዶ?

Amharic

ከአሻጉሊት መሸጫ መደብሩ ጥግ ላይ አንድ ምግብ ቤት አለ፡፡

Tigrigna

ካብቱ መደበር መፃወቲ ቀፂሉ ኣብቱ ኣንጎሎ ከባቢ ሓደ ቤት ምግቢ ኣሎ፡፡

Amharic

አመሰግናለሁ፡፡

Tigrigna

የቐንየለይ፡፡

Amharic

ምንም አይደል፡፡

Tigrigna

ፀገም የለን፡፡

Amharic

ይቅርታ፣ ቅርቡ ፋርማሲ የት ነው?

Tigrigna

ይቕረታ ኣብ ቀረባ ፋርማሲ ኣሎዶ?

Amharic

ፒያሳ መንገድ ላይ ከሱቁ ቀጥሎ ያለው ፋርማሲ ነው፡፡

Tigrigna

ኣብ ጐደና ፒያሳ ካብቱ ግሮሰሪ ቀፂሉ ሓደ ፋርማሲ ኣሎ፡፡

Amharic

ከባንኩ ፊት ለፊት ያለው አደባባይ ይታይሃል/ሻል?

Tigrigna

ፊት ንፊት እቱ ባንኪ ዘሎ ኣደባባይ ይረኣየካ ኣሎዶ?

Amharic

የገበያውን መንገድ ከአደባባዩ ጀርባ ታገኘዋለህ/ዋለሽ፡፡

Tigrigna

መንገዲ እቱ ዕዳጋ ብግልባጥ እቲ ኣደባባይ ክትረኽቦ ኢኻ/ክትረኽብዮ ኢኺ፡፡

Amharic

እዚያ ለመድረስ ምን ያህል ጊዜ ይወስዳል?

Tigrigna

ኣብኡ ንምብፃሕ ክንደይ ጊዜ ይወስድ?

Amharic

አሥር ደቂቃ ያህል፡፡

Tigrigna

አስታት ዓሰርተ ደቓይቕ፡፡

Amharic

አመሰግናለሁ፡፡

Tigrigna

የቐንየለይ፡፡

Amharic

እባክህ/ሽን፣ ልትረዳኝ/ጂኝ ትችላለህ/ያለሽ?

Tigrigna

በይዛኻ ክትተሓባበረኒዶ ትኽእል?/ በይዛኺ ክትተሓባበርኒዶ ትኽእሊ?

Amharic

ከዚህ ወደ ከተማው መሃል እንዴት መሄድ እንዳለብኝ ማወቅ እፈልጋለሁ፡፡

Tigrigna

ኣነ ካብዙይ ናብ ማእኸል ከተማ ከመይ ክኽድ ከምዘለኒ ክፈልጥ እደሊ፡፡

Amharic

ወደ መሃል ከተማ የሚሄደው አውቶቡስ ከሆቴሉ ፊት ለፊት ይቆማል፡፡

Tigrigna

ናብ ማእኸል ከተማ ዝኸይድ ኣወቶቡስ ፊት ንፊት እቱ ሆቴል ጠጠው ክብል እዩ፡፡

Amharic

ይቅርታ፣ ይህ አውቶቡስ ወደ መሃል ከተማ ይሄዳል?

Tigrigna

ይቕረታ እዙ ኣወቶቡስ ናብ ማእኸል ከተማ ይኸይድዶ ይኸውን?

Amharic

አይ፣ በተቃራኒው አቅጣጫ የሚሄድ አውቶቡስ ያስፈልግሀል/ሻል፡፡

Tigrigna

ኣይ! ብተፃራሪ ኣንፈት ዝኸይድ ኣወቶቡስ የድልየካ/ኪ እዩ፡፡

Amharic

የአውቶቡስ ማቆሚያው ከመንገዱ በሌላኛው ጎን ነው፡፡

Tigrigna

ኣውቶቡስ ጠጠው እትብለሉ ብግልባጥ እቲ መንገዲ እዩ፡፡

Amharic

እሺ፣ አመሰግናለሁ፡፡

Tigrigna

እሺ! የቐንየለይ፡፡